Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ብራዚልን ስርዓት ምግቢ ዘጠናኽር ልውውጥ ልምዲ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)‎ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ብራዚል-ኣፍሪካ ስርዓት ምግቡ ዘጠናኽሩ መድረኻት ልውውጥ ልምዲ ኣካይዶም።

በቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ 2ይ ጉባኤ ውሕስና ምግቢ፣ ምክልኻል ጥሜትን ልምዓት ገፀርን ብራዚል-ኣፍሪካ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

‎እቲ መድረኽ ዕቤት ኣብ ምምሕያሽ ፍርያት ሕርሻ፣ ልምዓት ገፀርን ውሕስና ምግቢን ዘድሀበ ከምዝኾነ ዝገለፁ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን፤ “ንሕርሻ ብዝሐሸ መገዲ ዝመርሑ መፅናዕቲን ምርምርን፣ ሓደሽጺን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙን ኣሰራርሓታት ዘቀላጥፉ ትካላት ምህናፅ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ዝላ ንምምፃእ ዘኽእል ኢዩ” ኢሎም።

‎እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ብፖሊሲ ዝተደገፈ መሰረታዊ ስራሕቲ ለውጢ ብብምትግባር ሕርሻ ኣብ ልዑል ቦታ ንምብፃሕ ዝሰርሐቶን እናሰርሐቶ ትርከብን ተሞክሮ ዝቐርበሉ ኢሉ እውን ካብ ካልአት ሃገራት ልምዲ ዝቕሰመሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ስግግር ፍልጠትን ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ብምጥቃም ስርዓት ምግቢ ከጠናኽሩ ዝኽእሉ ዑደታት፣ ልውውጣት ልምዲን ስምምዕነታትን ክግበሩ ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ብግደኦም፥ ዕላማ እቲ ጉባኤ ጥንኩርን ዘላቒን ስርዓት ምግቢ ንምህናፅ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ልውውጥ ልምዲ ምግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብራዚል ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ትመሃሮምን ተካፍሎምን ተሞክሮታት ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ልውውጣት ልምዲ ጥንኩር ስርዓተ ምግቢ ንምፍጣር ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.