ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ መድረኽ ዓለም ለኸ ምትሕብባረን ዝያዳ ውፅኢታዊ ኾይኑ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ መድረኽ ዓለም ለኸ ምትሕብባረን ዝያዳ ውፅኢታዊ እናኾነ መፂኡ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
ኣብ 2025 ወለንታዊ ሕክምና ቻይና ግብረ ሰናይ ኣፍሪካ ልእኽቶን ዓለም ለኸ መርሃ ግብሪ ምጅማር ወፍሪ ወለንታዊ ሕክምና ተጀሚሩ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ቻይና ኣብ ወለንታዊ ዘርኣይዎ ቆራፅነት ኣመስጊኖም፤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዙሓት ቆልዑ ተወሳኺ ሓገዝ ሕክምና ዘድልዮም ዜጋታት ግልጋሎት ከምዝረኽቡ እምነቶም ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ንግዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ምትሕብባረን ዝያዳ ውፅኢታዊ እናኾነ ምምፅኡ ኣረዲኦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጥባሕቲ ልቢ ህፃናት፣ ሕክምና ዓይኒ፣ ሕክምና ማህፀንን ካልኦት ግልጋሎት ሕክምናን ክውሃቡ እዮም፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ሓደ መንግስታውን ኣብ ሓደ ናይ ውልቂን ቤት ትምህርቲ መርመራ ዓይንን ልብን ዝውሃብ እንትኾን፤ ንልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ምርመራ በሪ ማህፀን ሕማም መንሽሮ ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ እዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!