Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኩባን ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዔን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ኩባን ኣብ ዝተፈላለዩ ቁልፊ ጉዳያት ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዔን፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ጎና ጎኒ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት፣ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ኦፍ ኩባ ሆርጌ ሉዊስ ታፒያ ፎንሴ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ዘቲና ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያን ኩባን ንሓምሳ ዓመታት ዝፀንሐ ጥንኹር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብምዝኽኻር፤ ነዚ ዝምድና ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ምትሕብባር ንምዕባይ ክውዕሉ ዝኽእሉ ጉዳያት ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ውፅኢታዊ ዘተ ምክያዶም ኣረዲኦም፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኩባ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ልምዓታዊ ንጥፈታት ብምንኣድ፤ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ እትሰርሖም ዘላ ስራሕቲ ዝበረታታዕ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሆርጌ ሉዊስ ኣብ ዝገበርናዮ ውፅኢታዊ ክልቲኣዊ ዘተ፣ ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘዕብዩ ወሰንቲ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ቁልፍ ጉዳያት ምትሕብባር ንምጥንኻር ምስምዕመዖም ሓቢሮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.