ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዶብ ሰገር ገበናት ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ወተሃደራዊ ስምምዕነት ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዶብ ሰገር ገበናት ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ወተሃደራዊ ስምምዕነት ተፈራሪመን፡፡
እቲ ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ ዋና ኣዛዚ ሰሜናዊ ምብራቕ ሌተናል ጄነራል ኣሰፋ ቸኮል ብወገን ጅቡቲ ድማ ኣዛዚ ግንባር ሰሜናዊ ምዕራብ ኮሎኔል ዓሊ ሸህሚ ፈሪመምዎ፡፡
ሌተናል ጀኔራል ኣሰፋ ቸኮል ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ወተሃደራዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ጅቡቲን ከባቢታት ዶብ ካብ ዶብ ሰገር ገበናትን ዕጡቓትን ብሓባር ኣብ ምክልኻል ነዊሕን ታሪኻዊን ባይታ ዘለዎ ምዃኑ አረዲኦም።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ተረኺቦም ወታደራዎ ዳህሳስ ከምዘካየዱ ብምሕባር፤ ኣብቲ እዋን ዝተጀመረ ማዕቀፍ ምትሕግጋዝ ከምዝተጠናኸረን ነዚ ሕዚ ዘሎ ወተሃደራዊ ስምምዕ በሪ ከፋቲ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብ ቀፃሊ ሓደሽቲ ስምምዓት ብምውሳኽን ብምግምጋምን ኣድላዪ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ እናተጠናኸረ ከምዝቕፅል ሓቢሮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!