Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጣሊያንን ዘለወን ዝፀንሐ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ጣሊያን ኤድሞንዶ ችሬሊ ተዛቲዮም።

ብኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢትዮ-ጣሊያን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ንምግባር ኣብ ጣሊያን ይርከብ።

ኣብ ሮም ኣብ ዝተገበረ ዘተ፤ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምትሕብባር ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ልምዓት፣ ኢንቨስትመንት ዘፈር ውልቀ፣ ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ዘለወን ዝፀንሐ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝተገበረ ከይዲ መመሓየሺ ማክሮኢኮኖሚ ከምኡ እውን እቲ ማክሮኢኮኖሚ ንምርግጋእን ከባቢ ኢንቨስትመንት ንምምሕያሽን እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታት ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት ትገብሮ ሓገዝ ንኢዶም።

ኤድሞንዶ ችሬሊ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ጥንኩር ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ዝወሰደቶ ቆራፅ ኣመራርሓ ከምኡ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን ንኸዓስል እናበርከተቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ምንኣዶም እቲ

ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.