Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዘፈር ዝርገሐ ማእኸላይ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ተፈራሪመን፡፡

እቲ ስምምነት፤ ኣመራርሓ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ፈረንሳይን (ኢ ዲ ኤፍ) ከቲሞምዎ፡፡

እቲ ስነ ስርዓት ክታም ጎድና ጎድኒ ኣብ ኣፈረንሳይ ፓሪስ እናተኻየደ ዝርከብ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን  ሕብረት ኣውሮፓን ዝተኻየደ ኢዩ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምነት ክልቲኦም ትካላት ኣብ ዝርገሐ ማእኸላይ መስመርን ሓይሊ እንተይተቋፀ መስመራት ኤሌክትሪክ ምፅጋን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብሓባር ክሰርሑ ኢዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓገዝ ስልጠና ቴክኒክ፣ ቀረብ እታወት፣ ህንፀት ዓቕሚን ስምምዕነት ልቓሕን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዘፈራት ብሓባር ከምዝሰርሑ ተለገሊፁ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.