ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ክሊማዊ ለውጢ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ክሊማዊ ለውጢ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዐን።
በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ፔትሮሊየምን ክሊማዊ ለውጠን ፓኪስታን ሙሳዲክ ማሱድ ማሊክ (ዶ/ር) ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ከልቲአን ሃገራት ኣብ ክሊማዊ ለውጢን ሓለዋ ከባቢን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።
ኣምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምፅዋር እተካይዶ ብዛዕባ ዘላ ተግባራት መብርሂ ሂቦም።
ብፍላይ ኣብ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ካብ ምዕባይን ፀገም ምሽርሻር ሓመድ ካብ ምቕራፍን ብዝዘለለ ብዝሃ ህይወት ብምሕላውን ክሊማዊ ለውጢ ብምፅዋርን ልዑል ግደ ዘለዎ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም።
ሙሳዲክ ማሱድ ማሊክ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝነኣድን ንካልኦት ሃገራት ኣብነት ዝኸውንን ኢዩ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!