Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ሓዱሽ ዓመት እንትቕበሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ብምድጋፍ ክኸውን ይግባእ – ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ሓዱሽ ዓመት እንትቕበሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጉድኣት ዝበፅሖምንዝተመዛበሉን ወገናት ብምድጋፍ ክኸውን ከምዝግባእ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ጉባኤ በዓል ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ኣመልኪቱ ንተኸተልቲ ኩሎም እምነታት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

ኩሎም ኣመንቲ ሓዱሽ ዓመት እንትቕበሉ፥ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ብኲናት ዝተጎድኡን ብምሕሳብን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምግባርን ክኸውን ከምዝግባእ እውን እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ፀዊዑ።

እዚ ድማ ብዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ዝተፈተወን ዝተቐደሰን ሰናይ ተግባር ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

ሓዱሽ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ብዝኾ መልክዑ ፍጹም ሰላምን ሓድነትን ዝረኣየሉ ዓወት ዝምዝገበሉ ንኽኸውን ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊፁ።

ከም ሃገር ዘጋጠሙ ፈተናታት ንምሕላፍን መፃኢ ዘበን ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዝሐሸ ንኽኸውን፥ ሕድሕድ ሰብ ብዝኽተሎ ስርዓት ኣስተምህሮ ሃይማኖት መሰረት ብምግባር ናብ ፈጣሪ ክፅሊ ከምዝግባእ እቲ ጉባኤ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.