Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ብልምዓት ንምትእስሳር ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ብልምዓት ኣብ ዝተኣሳስርሉ ኩነታት እናሰርሐት እያ ኢሎም ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ ሓላፊ መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ፡፡

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ መዳረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝተዳለወን ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክካየድ ዝፀንሐ መርሃ ግብሪ ፎርም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ብልምዓት ዝተኣሳሰርሉ ምችው ኩነታት ትኹረት እናሰርሐት ትርከብ፡፡

ብፋላይ ናይታ ኣህጉር መናሰይ ኣብ ልምዓት፣ ኢኮኖሚን ፈጠራ ስራሕን ክራኸቡሉ ዝኽእሉ ኩነታት ምምችቻው ሓደን ቀንዲን ምዃኑ ገሊፆም።

ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ ናይዚ ኣካል ምዃኑ ገሊፆም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ልምዓታዊን ካልኦት ተግባራትን ዘለዎም ምትሕብባር እናጠንኸረ ዝኸይድ ዘሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣህጉር ብምልማዕ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ሓሙሽተ ዓንዲ ኢኮኖሚ ልምዓት ብምልላይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ተግባራት ዝበረታታዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.