ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትውግኖ ስራሕ ውፅኢት ኣብ ጉባኤ ምግቢ ዓለም…
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ብርእሰ ዓቕሚ ንምርግጋፅ እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕን ውፅኢትን ኣብ ጉባኤ ምግቢ ዓለም ንካልኦት ሃገራት ብኣብነት ተላዒሉ።
ጉባኤ ምግቢ ዓለም ”ንዝሐሸ ምግቢን ዝሐሸ ፅባሕን ኢድ ንኢድ ንተሓሓዝ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ጣሊያን ሮም ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳን ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)ን ሓዊሱ ሰብ ሞያ ሕርሻ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ይርከቡ።
መበል 80 ዓመት ምስረታ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስራሕቲ እቲ ትካል ዝድህስሱ ከምኡ እውን ቀፀልቲ ራኢታት ብዝገልፁ ምድላዋት እናተኸበረ እንትኸን÷ ጉባኤ ምግቢ ዓለም እን ናይዚ ኣካል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳሲልቫን ዳይሬክተር ጀነራል ፋኦ ኪዩ ዶንግዮን ከምኡ እውን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ተመራመርቲን መደረ ኣስሚዖም።
ኣብ መደረኦም ድማ÷ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ብሃገር በቆል ፍልጠትን ብርእሰ ዓቕሚን ንምሽፋን ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ሓፂር እዋን ዝተረኸበ ውፅኢት ካብ ባዕላ ሓሊፉ ንጎረባብቲን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ፅቡቕ ተሞክሮ ከምዝኾነት ኣልዒሎም።
ብፍሬህይወት ሰፊው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!