Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሉዓላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ስግግር ስርዓት ምግቢ ማእኸል ዝገበሩ ተግባራት ኣካይዳ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ሉዓላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ግልፂ ስትራቴጂን ፖሊሲታትን ንምሕንፃፅ ስግግር ስርዓት ምግቢ ማእኸል ዝገበሩ ተግባራት ኣካይዳ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሃገር ለኸ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ናብ ዕዳጋ ዝኣትው ፍርያታት ምትካእ፣ ኣናእሽቱን ማእከሎትን ሰበኽ ሳግም ብምድጋፍ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሑ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ካብ 2021 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ፍኖተ-ካርታ ስርዓተ ምግቢ ብምድላው ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ስርዓት ብምጥዕዓም ዝተሰርሑ ተግባራት ዝተመዝገቡ ለውጥታት ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስርዓት ምግቢ ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘላቒን ይግበር ምህላዉ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ትትግብሮ ዘላ ፖሊሲ ስርዓት ምግቢ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዘሳትፍ እዩ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዓርሳ ካብ ምኽኣል ሓሊፉ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዝተከየደ ርሕቀት ኣረዲኦም።

ዜጋታት ስርዓት ኣመጋግባ ዜጋታት ንምምሕያሽ፣ ዝተመጣጠነ ስርዓት ምግብን ሉዓላዊነት ምግብን ንምርግጋፅ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምኡ እውን ኣብ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ ዝተረኸበ ውፅኢት ኣብሪሆም።

ኣብ ቃል ኪዳን ሰቆጣን ካልኦት ዝተጀመሩ ሉዓላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተወሰዱ ተበግሶታትን ህይወት ሚልየናት ምምሕያሹ ሓቢሮም፡፡

ልምዓት ሕርሻ ገፀርን ንምምሕያሽ ፍትሓዊ ግልጋሎት ፋይናንስ ካባፃሕን፣ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ንምስፍሕፋሕ ግንዛበ ትንበያ ሰበኽ ሳግም ንምዕባይ ምኽኣሉ ገሊፆም፡፡

ተረባሕነት ስርዓት ምግቢ ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ሰንሰለት እሴት ዕዳጋ ሰበኽ ሳግም ብምምሕያሽ ዘርፈ ብዙሕ ተግባራት ተሰሪሑ ኢሎም፡፡

ዜጋታት ካብ ቁልዕነት ክሳብ ፍልጠት ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ስርዓት ምግቢ ንክህልዎም፣ ጥዕነኦም ዝተሓለወ ዕዉታትን ንክኾኑ ምገባ ቤት ትምህርቲ ሚልየናት ተረባሕቲ ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም ከምዝበልዎ፣ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳን ሕዚ ብሓፈሻ ልዕሊ 46 ቢሊየን ዝተፈላለዩ ረብሓ ዝህቡ ፈልሲታት ተተኺሎም፡፡

ሓምለዋይ ኣሰር ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር፣ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅን ርእስካ ንምኽኣልን፣ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ፣ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዘምፅኦ ለውጢ ኣብራህሪሆም፡፡

ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነ ከይተፀበየት ባዕላ ናይ ምምጋብ ዓቕሚ ኣለዋ ብምባል ገሊፆም፤ እዙይ ጋህዲ ንክኾን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ዘሎ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ኣብ ልዑል ስግኣት ውሽጢ ብምዃኑ ኣብ ስርዓት ምግቢ ዓለም ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ኣረዲኦም፡፡

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.