Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓደጋታት ክሊማዊ ለውጢ ብምፅዋር ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ተካይድ ኣላ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሓደጋታት ክሊማዊ ለውጢ ብምፅዋር ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ተካይድ ኣላ ኢሎም ብመዓርክ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሓላፊ ምትሕብባር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ኣደም ፋራህ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ብምርካብ ብመርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሎሚ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ መልላእ ኢትዮጵያዊያን ይሳተፉ ኣለዉ ኢሎም።

ዓውዲ ሓምለዋይ ኣሰር ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ህዝቢ እውን ናይቲ መርሃ ገብሪ ረብሓ ብዝግባእ እናተገንዘበ ምምንፅኡ ሓቢሮም።

ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ፍሪያት ንምስሳን ከምኡ’ውን ንምክልኻል ክሊማዊ ለውጢ ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ ኢሎም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ህዝቢ ኣብ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓደ ፀሓይ ብንቕሓት ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

#ሓምለዋይኣሰር

#GreenLegacy

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.