ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ንብረት ኣየር ሕቡራት መንግስታት ንምትእንጋድ ተሓሪያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ንብረት ኣየር ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ32) ንምትእንጋድ ተሓሪያ፡፡
ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ብዙሓት ተግባራት እናወገነት እንትትከውን፥ መበል 32 ጉባኤ ንምትእንጋድ ኣብ ዝሓፈ ወርሒ መስከረም ሕቶ ኣቕሪባ ኢያ፡፡
ኣብ ብራዚል ቤለም እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 30 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ30) ተሳተፍቲ ሃገራት ሕቶ ኢትዮጵያ ኣብብርኪ መምርሒ ከምዝተቐበላ ተገሊፁ፡፡
ፕሬዚዳንት ጉባኤ ኮፕ30 ኣንድሬ ኮሪያ ዶ ላጎ ተሳተፍቲ ሃገራት እቲ ጉባኤ እቲ ገጉባኤ ንኽተተኣናግድ ከምዝተስማዕማዓ ብምግላፅ፥ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ሓላፊነት ክትቅበል ኢያ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!