ኢትዮጵያ ስምምዕነት ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ተግባራዊ ንምግባር ምድላዋታ ዛዚማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ስምምዕነት ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ተግባራዊ ንምግባር ምድላዋታ ዛዚማ ኢሉ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን።
ናይቲ ምድላው ምዝዛመን መርሃ ግብሪ መጀመሪ ዕዳጋን ዝጠመተ መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ያስሚን ወሃብረቢ፥ ትግበራ እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
እቲ መርሃ ግብሪ 29 መስከረም 2018 ዓ.ም ከምዝጅመር ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካርጎ ስጋ፣ ኣትክልቲን ፍራምረን ከምኡውን ብትራንስፖርት ምድሪ ቡን፣ ጥራምረን ኣዝርእቲ ቅብኣትን ናብ ኬንያ፣ ሶማሊያን ደቡብ ኣፍሪካን ከምዝለኣኽ ኣብሪሆም።
ምትግባር ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ልዑል ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ከምዝህልዎ ሓቢሮም።
ብቤተልሔም መኳንንት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!