ኢትዮጵያ ቡና ንሃድያ ሆሳእና ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 28 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ÷ኢትዮጵያ ቡና ንሃድያ ሆሳና 1ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ዲቫይን ዋቹኩዋ ብዘመዝገባ ሸቶ ኢትዮጵያ ቡና ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ፡፡
ከምኡ እውን ሎሚ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ኣዳማ ከተማን መቐለ 70 እንደርታን ብዘይሸቶ ማዕረ ምፍልላዮም ይፍለጥ፡፡