ኢትዮጵያ ቡና ንኢትዮጵያ መድን ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 31 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ቡና መሪሕ እቲ ሊግ ንዝኾነት ጋንታ ኢትዮጵያ መድን 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡
ብሕታዊት ሸቶ ኢትዮጵያ ቡና ራምኬል ጀምስ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ምስዓራ ስዒቡ ካብ ኢትዮጵያ መድን ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ ሽዱሽተ ክተውርድ ክኢላ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ዓወት እንትተመዝግብ ኢትዮጵያ መድን ድሕሪ ክልተ ተኸታተልቲ ዓወታታት ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኢትዮጵያ መድን ብ60 ነጥቢ አእንትትመርሕ፤ ኢትዮጵያ ቡና ብ54 ነጥቢ ኣብ 2ይ ደረጃ ትርከብ፡፡