ኢትዮጵያ ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ዝነኣድ እዩ – ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኢትዮጵያ ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ዝነኣድ እዩ ኢሎም፡፡
እቶም ዋና ፀሓፊ ብኣሳናዳኢነት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዘሎ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል ሰፊሕ ስራሕ ሰሪሓ።
ብፍላይ ልምዓት ስርናይን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ዝፃወር ልምዓት ሕርሻን ዘመዝገበቶ ዓወት ኣብ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ንዓለም ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ ኢሎም፡፡
ሚዛናውነት ስርዓት ምግቢ ምምጥጣን ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኩሎም መዳርግቲ ትኹረት ክገብርሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ግቡእ ስራሕ ምስራሕን ኣብ ዓለም ሰላም ምርግጋፅን ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ንምእንጋድ ንዝገበረቶ ተወፋይነት ንኢዶም።
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!