Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብዘለዋ ታሪኽን መሰል በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ ጉዳይ ህልውና ኢዩ – ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝወሃቦ ግቡእ ንምውፃእ ኣብ ዘኽእል ኩለመዳይ ቁመና ይርከብ ኢሎም ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ፡፡

መበል 118 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ “ዘይትድፈር ሃገር ዘይብዳህ ሰራዊት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ተኸቢሩ።

ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መንግስቲ ኣብ ኣድላይነት በሪ ባሕሪ ብዘለዎ ፅኑዕ ቅዋምን ኣመራርሓ ሰራዊትን ብዝገበሩዎ ሓገዝ ውሩይ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ዝነበሮ ግኑን ሽሙ ንምምላስ ዝተወገኑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ኢዮም።

ኢትዮጵያ በቢዘበናቱ ዝገጠሚዋ ፈተናታት ብዓወት እናተዋፀአት ዝመፅአት ታሪኻኻ ሃገር ከምዝኾን ብምዝኽኻር÷ ሕቶ ባሪ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ ንባዕሉ ብቕዓት በዘለዎም ሰብ ሞያ ብምውዳብን ህንፀት ትካላት ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ናይ መበገሲ ውግእ ዕጥቂታት ከምዘማለአ ተዛሪቦም።

በሪ ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪን ዘይነፃፀሉ ከምዝኾኑ ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ታሪኽን መሰልን በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ሃገርና በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ፍትሓዊ ሕቶ ንሓበራዊ ተረባሕነት ብመምርሒ ሂብካ ምቕባል ክትሰርሕ ከምዝግባእ ምግንዛቦም እውን ኦንላይን ሚዲያ ምክልኻ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.