ኢትዮጵያ ብፖሊሲ ዝተሓገዘ ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ናይ ምፅዋር ተሞክሮኣ እተካፍለሉ መድረኽ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ጉባኤ ካልኣይ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኢትዮጵያ ብፖሊሲ ዝተሓገዘ ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ናይ ምፅዋር ተሞክሮኣ እተካፍለሉ መድረኽ ክኾን እዩ ኢሉ፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ጉባኤ ካልኣይ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣፍሪካ ክተተኣናግድ እያ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ምስ ዓለም ለኸ ፋውንዴሽን፣ ትካላት ለገስቲን ተወከልቲ ሲቪል ማሕበረሰብ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮነን÷ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘይናወፅ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ጭቡጥ ስጉምትታት ትወስድ ከምዘላ ገሊፆም።
እቲ ጉባኤ ካብ 3 ክሳብ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም “ጉዳይ ዘተ ሓምለዋይ ኣብ ሓምለዋይ ማእኸል ዝገበሩ ስጉምቲታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኻየድ እዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!