ኢትዮጵያ ትልሚታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣፍሪካ ብጭቡጥ ተግባራት ተርኢ ኣላ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ትልሚታት ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣፍሪካ ብጭቡጥ ተግባራት ተርኢ ኣላ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጥ ጀሚሩ።
ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ካብ ልቀት ጋዝ ምድረበዳ ዓለም 4 ሚእታዊ ጥራይ ብፅሒት ዘለዋ ኣፍሪካ ከቢድ ጉድኣት ተተኣናግድ ኣላ፡፡
ዓለም ብፍላይ ድማ ኣፍሪካ ብድሆ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘጋጠማ ምዃኑ ብምሕባር ፤ እቲ ፀገም ኢኮኖሚና እናፈቲነ ንመፃኢ ድሕንነትና ፀገም ይፈጥር ኣሎ ኢሎም።
ድርቂ፣ ውሕጅ፣ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፀገም ውሕስና ምግቢን ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዝፍጠር ስደትን ኣብ ዙርያና ዘለዉ ብድሆታት ምዃኖም ተዛሪቦም።
ኣፍሪካ ተቓላዒት ጥራይ ዘይኮነትስ ተስፋ ዘለዋ ምዃና ዘገንዘቡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ህዝባ ትሕቲ 25 ዓመት ዝርከቡላ ናይ መናእሰይ ኣህጉር ምዃና ገሊፆም።
ኣፍሪካውያን ብፈጠረኦም፣ ኽእለቶምን ብፃዕሮምን መፍትሒ ዝህቡ ምዃኖም ሓቢሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!