Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንሃገራት እቲ ዞባ ብኢነርጂ መሰረተ ልምዓት ተተኣሳስር ኣላ – ሕብረት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምትእስሳር ትግበራ ዕዳጋ ኢነርጂ መሰረት ትኸውን ኣላ ኢሉ ኮሚሽን ኢነርጂን ሕብረት ኣፍሪካ።

ሕብረት ኣፍሪካ “ገምጋም ኩነታት ንፅል ዕዳጋ ኢነርጂ፣ ትካላዊ ምምሕያሽ መምርሒ ኣቀራርባ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ሓዊሱ ኣብ ቀፃሊ ክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኣጀንዳ ዕዳጋ ንፅል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ላዕለዋይ ደረጃ ቴክኒካዊ ገምጋም የካይድ ኣሎ።

ዳይሬክተር ኮሚሽን መሰረተ ልምዓትን ኢነርጂን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ካሙጊሻ ካዛውራ÷ ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዳጋ ነፅል ኢነርጂ ኣፍሪካ ንምትግባር ዝሕግዝ ፍኖተ ካርታ ከምዝተቐመጠ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ ላዕለዋይ ቴክኒካዊ ኣኼባ ንኣተገባብራ ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ንፅል ዕዳጋ ኢነርጂ ከይዲ ኣፈፃፅማ ገምጋም ዝግበረሉ ምዃኑ ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.