ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ስርዓት ምግቢ ኢትዮጵያ ግደኣ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ስርዓት ምግቢ ኢትዮጵያ ግደኣ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።
መዛዘሚ መበል ካልኣይ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ይሳለጥ ኣሎ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓለም ንምምሕያሽ ስርዓት ምግቢ ሓበራዊ ፃዕሪታት ክገብር ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ምዕዋት ዝከኣል ብሓበራዊ ምውዳድ ከምዝኾነ እወን ኣብሪሆም።
ዓለምና ናይ 2 ቢሊየን ዜጋታት ስርዓት ምግቢ ንክመሓየሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ ዝተልዓሉ ኣጀንዳታት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም።
ብሰለሞን በየነ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!