ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ልቓሓ ንምኽፋል ምንም ፀገም ኣይብላን-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ልቓሓ ንምኽፋል ምንም ፀገም ኣይብላን ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ካብ ንጉሆ 2፡30 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐርቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ይህቡ ኣለዉ።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ሽግሽግ ልቓሕ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልቓሓ ንምኽፋል ምንም ፀገም ኣይብላን ኢሎም።
ብምኽኒያት ሪፎርም ካብ 4 ክሳብ 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዝበፅሕ ሽግሽግ ልቓሕ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።
ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ መንግስቲ ዋላ ሓደ ዶላር ልቓሕ ንግዲ ከምዘይወሰደ ገሊፆም።
እዚ ድማ ልቓሕ ንምቁፅፃር ዘለና ፅኑዕ ቅዋም ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።