Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ቀጠና ኢጋድ ሰላምን ድሕንነትን ንኸዓስል እጃማ ትዋፃእ ኣላ – ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዴሞክራሲ ትካላት ወሳኒ ሪፎርም ብምግባር ኣብ ከባቢ በይ መንግስታት ልምዓ ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ሰላምን ድሕንነትን ንኸዓስል እጃማ እናተዋፀአት ትርከብ ኢሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)።

3ይ ፎረም ሃገራት ኢጋድ “ሰላምን ድሕንነትን ንምጥንኻር ግደ ብሄራዊ ዴሞክራሲ ትካላት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢጋድ ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉት ሸውዓተ ዓመታት ካብ ባዕላ ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ድሕንነትን ንምዕሳል ዘኽእል ትካላዊ ሪፎርም ከምዝገበረት ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰላም ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ሽልማት ኖቤል ሰላም ምርካቦም ብምዝኽኻር÷ ኣብ ትካላት ዴሞክራሲ ዝተገበረ ሪፎርም ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ሰላም ውፅኢት ዘላቒ ትካላት ከምዝኾነ ዝሓበሩ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር÷ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ኣካላት ፀፅታ፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰል፣ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ፣ ኣካላት ፍትሒን ካልኦት ትካላት ዴሞክራሲን ሪፎርም ከምዝገበረ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ከም ኣባል ሃገር ኢጋድ ትካላት ዴሞክራሲ ኣብ ምጥንኻር ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምዕሳል ነሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ሃናፂ ግደ ከምዝተዋፀአት ኣብሪሆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.