ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓዊን ኢ-ርትዓዊን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር ኢያ-ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓዊን ኢ-ርትዓዊን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር ኢያ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ኣባይ ምጥቃም ተፈጥሮኣዊን ሕጋዊን መሰላ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ሃፍቲ ብሓባር ንምጥቃም እውን እኹል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ብሄራዊ ረብሓኣ ኢ-ፍትሓዊን ኢ-ርትዓዊን ውሳነ ዝተወሰነላ ሃገር ኢያ ዝበሉ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ዘለዋ ቅዋም ግልፂ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ግብፃዊያያንን ሱዳናዊያንንን ኣሕዋትና ኢዮም፤ ስለዚ ዘዋፅአና ብምዝርራብን ምትሕብባርን ብሓባር ምዕባይ ኢዩ ኢሎም።
ንሕና ንዝኾነ ይኹን ብዝጎድእ መገዲ ኣይንትልምን ኣይንሰርሕን ክብሉ ድማ ኣረጋጊፆም።