ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ድልዊ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ መቃድሾ ትሳተፍ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 34 ኣኼባ ድልዊ ሓይሊ ኣካላት ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ መቃድሾ ትሳተፍ ኣላ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ሹመኛታት ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ሰራዊት ኩለን ኣባል ሃገራት፣ ሚኒስትራት ምክልኻል ሃገርን ላዕለዎት ኤክስፐርትታትን ተሳቲፎም።
ብዋና ዳይሬክተር ርክብ ወፃኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ምክልኻል ሜ/ጄ ተሾመ ገመቹ ዝተመርሐ ልኡኽ እውን ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብምውካል ይሳተፍ ኣሎ ተባሂሉ።
ኣብቲ ኣኼባ፥ እተን ኣባል ሃገራት እቲ ሓይሊ ኣብቲ ቀጣና ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሊ ዝህልዎ ግልፂ ብፅሒት ብዝምልከት ይዝትያ ከምዘለዋ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ትካለን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቀፃሊ ከምዝካየድን ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ኮማንድ ፖስት ሓይሊ ባሕሪ ስልጠና ትልሚ ዝጠመተ ዘተ ከምዝግበር ተሓቢሩ።
እቲ ትካል ካም ዝጣየሽ ጀሚሩ ዝነበረ ከይዲ ዝጠመተ መፅናዕቲ ዘተ ከመዝግበር እውን ናይ ሰራዊት ምክልኻል ናይ ኦን ላይን ሚዲያ ዋና ኣሰናዳኢ ሌ/ኮ ውብሸት ቸኮል ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!