Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ተመራፂት ዕዳጋ ኢንሹራንስ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ተመራፂት ዕዳጋ ኢንሹራንስ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ገሊፆም፡፡

መበል 51 ዓመታዊ ኮንፈረንስን ሓፈሻዊ ኣኼባን ትካል ኢንሹራንስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብምግባሩ ኢኮኖሚ ክዝምን ከምዝኸኣለ ኣልዒሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ውልቀ ኣብ ዝሐሸ ዕቤት ከምዝርከብ ብምሕባር÷ ንፈጠራ ፍሉይ ጠመተ ዝህብ፣ ንግዲ ዘዕቢን ኢንቨስትመንት ዘበረታትዕን ኣሰራርሓ እናተዘርገሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ምፍራይን ቱሪዝምን ክዕወት ኣብ ዝከኣል ደረጃ ንምብፃሕ ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቶም።

ዓውዲ ኢንሹራንስ ማእኸል ዘፈር ፋይናንስ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምፅራሕ÷ ንኣብነት ድማ ዘይሻራዊ በዓል መዚ ተቖፃፃሪ ኢንሹራንስ ከምዝተጣየሸ ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ኣባይቲ፣ መሰረተ ልምዓትን ሪል ስቴትን ተሳትፎ ሓደሽቲ ፋይናንስን ዘፈራት ኢንሹራንስን ከዕኒ ዝኽእል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.