Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ወሰንቲ ዓውድታት ኢኮኖሚ ዕውትውፅኢት ተመዝግብ ኣላ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትርገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወሰንቲ ዓውድታት ኢኮኖሚ ዕውት ውፅኢት ተመዝግብ ኣላ ኢሎም፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ምስ ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካልገንዘብ (አይኤምኤፍ)ናይጅል ክላርክ ብምዃን ሎሚ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተዓመታት ካብ ኣይኤምኤፍ ዝረኸበቶ ልምዓታዊ ሓገዝ ኣብ ታሪኽ እቲዝዓበየ ምትሕብባር ኢኮኖሚ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብደገፍ ኣይኤምኤፍ እናተካየደ ዘሎ ኢኮኖሚያዊልምዓት ከምኡውን ተግባራዊ እናተገበረ ዘሎ ልምዓታዊ ሓገዝ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ዳይሬክተር ብወገኖም፤ ትካሎም ሃገር ቦቆልምምሕያሽ ኢኮኖሚን ተግባራዊ እናገበረ ዘሎ ማክሮ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ንምድጋፍ ቆራፅ ምዃኑ ኣረጋገጊፆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.