Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ተረባሕነት መናእሰይ ማእኸል ብምግባር ትሰርሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ተረባሕነት መናእሰይ ማእኸል ብምግባር ትሰርሕ ኣላ ኢለን ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)።

2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

“መናእሰይ ከም ፈጠርቲ ለውጢ፥ ጥበብን ፈጠራን ንለውጢን ዘላቒ ስርዓተ ምግቢ ዘለዎም ግደ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣካል እቲ ጉባኤ ዝኾነ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከምዝበለኦ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ውሕስና ምግቢ እናረጋገፀትን ሰፊ ዕድል ስራሕ እናፈጠረትን ትርከብ።

ብትሩፋት ሌማት፣ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ውሕስና ምግቢ ኣብ ዘረጋግፁ ዘፈራት ቁጠባዊ ሃፍቲን መናእሰይ ብንቕሓት ብምስታፍ ተረባሒት ክኾና እናተገበረ ይርከብ።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ንዝፍጠሩ ዕድላት ስራሕ ምቹው ኩነታት ምፍጣር፣ ንሕርሻን ቴክኖሎጂን መናእሰይ ኣብ ስርዓተ ምግቢ ዘለዎም ግደ ንምዕባይ ኣብቲ ጉባኤ ትኹረት የድልዮም ኢለን።

ምክትል ዋና ፀሓፊት ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድ ብግደአን፥ ኣብ ዓለም ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ኣብ ስርዓተ ምግቢ ፅዕንቶ እናሕደሩ ከምዝኾኑ ኣልዒለን።

ንፀገማት መፍትሒ ብመሃብ ሕቡራት መንግስታት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ ንምዕዋት ምትሕብባር ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን።

ንመናእሰይ ብልፅግናን ፈጠራ ስራሕን ካብ ፖሊሲ ጀሚሩ መኽአሊ ኩነታት ምፍጣር ከምዘድሊ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.