ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ተካይዶ ዘላ ተግባር ዝነኣድ እዩ – ሚኒስተራት ዝተፈላለያ ሃገራት
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዕብየታ ንምቅልጣፍ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እትገብሮ ዘላ ምዕባለ ዝነኣድን ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ትምህርቲ ክኸውን ትኸውን እያ ኢሎም ኣብ 3ይ ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ ዝተሳተፉ ሚኒስትራት ዝተፈላለያ ሃገራት።
ሚኒስቴር ስራሕ ክእለትን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ 3ይ ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ ሚኒስተራት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ምሁራት፣ ተመራመርቲ፣ ሰብ ሃፍትን ወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተረኺቦም እዮም።
ተሳተፍቲ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፣ ሳይንስ ሙዚየምንን ትካል ሚኒስትሪ ስራሕንን ክእለትን ዝርከባ ዑደት ኣካይዶም።
ኣብ ዑደቶም ርኡይቶ ዝሃቡ ተሳተፍቲ÷ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅልጡፍ ዕብየት ምዃና ምርኣዮም ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ተግባራት ኣብ ኣፍሪካ ምስ ውሕስነት ምግቢ ዝተኣሳሰሩ ዝለኣሉ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ምዃኖም እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ ተሞክሮ ዝኾና ናይ ልምዓት ስራሕ ትሰርሕ ከምዘላ ዝሓበሩ እቶም ተሳተፍቲ፥ ተግባራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ኣፍሪካ መሪሕ ሃገር ከምዝገብራ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!