ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ካብ ዘለወን ሃገራት ውሽጢ እያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 25 ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ትማሊ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስትራት ዲጂታል ምትእስሳር ክጠናኽሩ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ዘትዮም።
ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ዝፀደቐ ዲጂታል ውህደትን ፖሊሲ ማዕቀፍን ሚኒስትራትን መብርሂ ሂቦም።
በዙይ ድማ ሃገራት ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ኣብ ምምዝጋብ ከምዝኾና ዘርኢ እንትኾን፤ ኢትዮጵያ እውን ካብተን ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ዘለወን ሃገራት እታ ሓንቲ እያ ተባሂሉ፡፡
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታላዊ ውህደት ትምዝግቦ ዘላ ምዕባለ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ዓውዲ ቴሌኮም ናፃ ምግባር፣ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታን ሳይበር ደሕንነት ሕጊ ብምውፃእ ብዙሓት ሰራሕቲ ምስርሖም ሓቢሮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!