ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ኣባል ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ብምዃን ተመሪፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ኣባል ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ብምዃን ተመሪፃ።
ኣብ ኡዝበኪስታን ሳማርካንድ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 43 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኢያ ተመሪፃ።
እቲ ቦርድ 53 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ እንትኸውነ፥ ኢትዮጵያ ክሳብ 2029 ዓ.ም.ፈ ኣባል ኮይና ከምእትቕፅል ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ኣብ ፃንሒታ ነቲ ትካል ሓበራዊ ውፅኢት ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዃን ብምውዳድ ከምእትሰርሕ ተሓቢሩ።
ከምኡ’ን ረብሓ ኣፍሪካ ንምሕላውን ብመንፅር ልኡኽን ዕላማን ዩኔስኮ ኣብ ኩለ መዳይ መድረኻት ድምፃ ንምስማዕ እወንታዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ተባሂሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!