ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታታ ዘለዋ ቅዋም ፍትሓዊ ተረባሕነት ምርግጋፅ ኢዩ – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ሰገር ሩባታታ ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ፍትሓዊ ተረባሕነት ምርግጋፅ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።
“ማይን ንፁህ ኢነርጂን ንዘላቒ ዕቤት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም እናተኻየደ ዝርከብ ቅነ ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ።
ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ቅነ ኣብ ዓውዲ ሃፍቲ ማይ ዝተረኸቡ ዓወታት፣ ከመሓየሹ ብዛዕባ ዝግበኦምን ቀፀልቲ ስጉምቲታትን ትኹረት ዝገበሩ ልዝባት ተኻዶም።
ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ዘጀመሩት ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታታ ዘለዋ ቅዋም ናይቲ ዞባ ግቡእ፣ ሚዛናዊን ፍትሓዊን ተረባሕነት ምርግጋፅ ኢዩ ኢሎም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ክተርፍ ምግባር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ በረከታት ሒዙ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ከባቢ ናይ ምፍጣር ዕድል ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
 
			 
				