Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ – ኣተሓሳስባ ፓን ኣፍሪካኒዝም ብተግባር ዘርኣየት ፈላመይቲ ሃገር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ – ኣተሓሳስባ ፓን ኣፍሪካኒዝም ብተግባር ዘርኣየት ፈላመይቲ ሃገር ኢያ ኢለን ጎስጓሲት ፓን ኣፍሪካኒዝም ህይወት አዳነ።

ኢትዮጵያውያን ዝነበርሉ ብራኸ ልዑል ኢዩ ብምባል፥ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓወት ዓድዋ ጀሚራ ንፓን ኣፍሪካኒዝም ኣተሓሳስባ መበገሲት ከምዝነበረት ኣዘኻኺረን።

ኢትዮጵያ ናይ ቀደም ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ናይ ሐዚ ሕብረት ኣፍሪካ ንክምስረት ብምግባርን ካልኦት ስራሕቲን እቲ ኣተሓሳስባ ብተግባር ንክግለፅ ገይራ ኢያ ኢለን።

ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካንዝም ብሓሳብ ጥራሕ እንተይኮነስ ብተግባር እውን ንምግላፅ እውምን ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ከምዝኾነት ሓቢረን።

ብብርሃኑ ኣበራ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.