Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሕክምና መንሽሮ ተስፋሕፍሕ ኣላ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኢትዮጵያ ማእኸላት ሕክምና ጨረር ሕሙማት መንሽሮ እናስፋሕፈሐት ኢለን ።

ተበፃነት ሕክምና መንሽሮ ኣብ ምድንፋዕ ዘድሀበ ዓለም ለኸ ፎረም ‘ሬይስ ኦፍ ሆፕ 2025’ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣብ ሓደ ማእኸል ይወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ብምስፋሕ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ናይ ክልል ማእኸላት ተኸፊቶም።

ካብ ሞንጎ እዞም ማእኸላት እቶም ኣርባዕተ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝኾኑ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ዝተረፈ ሓደ ማእኸክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ንመስፋሕፍሒ ማእኸላት ሕክምና መንሽሮ 25 ሚሊየን ዩሮ ወፃኢ ምግባራ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ንመሰረተ ልምዓት ሕክምናን ቀረብ እታወትን ከምዝወዓለ ኣልዒለን።

ብተመሳሳሊ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተበፃሕነት ኣገልግሎት ሕክምና ኬሞቴራፒ ብስስፋሕ 13 ሆስፒታላት ሕክምና እናሃባ ከምዝርከባ ገሊፀን።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.