ኢትዮጵያ ከም ኣሰናዳኢት ሃገር ኣብ ለውጢ ካባቢ ኣየር ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ንተሳተፍቲ ክተርኢ እያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ከም ኣሰናዳኢት ሃገር ኣብ ለውጢ ካባቢ ኣየር ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ንተሳተፍቲ ክተርኢ እያ ኢሎም ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ምድላው ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለፂ ዝሃቡ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ብተሓዳሲ ሓይሊ ኣጠቃቕማን ካልኦት ዓውዲታትን ዘመዝገበቶም ዓወታት ክተርኢ እያ።
ኣብቲ ጉባኤ ኣፍሪካውያን ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዝሰርሐቶም ዘመዝገበቶምን መፍትሒ ሓሳባት ከቕርቡ እዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ካልኣይን ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ካብ 3 ክሳብ 5 ጳጉሜ 2017 ዓ.ም ክተተኣናግድ እያ።
ብእዮናዳብ ኣንዱኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!