ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝነኣድ ቁርፀኝነት ኣርእያ ኢያ- ፋራይ ዚምዲዚ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝነኣድ ቁርፀኝነት ኣርእዩ ኢዩ ኢለን ተወካሊት ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ፋራይ ዚምዲዚ።
ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ተግባራት ይካየዱ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ፋኦ ነዚ ፃዕሪ ይድግፍ ከምዘሎ ተዛሪበን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ተመሳሰልቲ መርሃ ገብሪታት ክሊማዊ ለውጢን ይትግብር ምህላዉ ሓቢረን።
ብመሰረት እዚ እወንታዊ ውፅኢት ይምዝገብ ኣሎ ኢለን።
ኣብ ክሊ ግብርና ዝመርሖ ሰርዓት ምግቢ ዓለም ለኸ ተዋሳእቲ ኢንቨስት ንክገብሩ ዘኽእል ዘተ ምስ ኣመራርሓ ዓውዲ ግብርና ኢትዮጵያ ብምግባር ንዝሓሸ ውፅኢት ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢረን።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna ፡
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!