Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ውክልና ብዘይብሉ ኣካል ዝሰኣነቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምሕታት መሰል ኣለዋ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ውክልና ብዘይብሉ ኣካል ዝሰኣነቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምሕታት ታሪካዊ መሰል ኣለዋ ኢሎም ምሁራን ሕጊ።

ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ ምሁራን፥ ወሰና ባሕሪ ዝነበረት ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ግዙፍ ሓይሊ ባሕሪ ነይራ ኢሎም።

በዓል ሙያ ሕጊ ኣበረ ኣዳሙ፥ ቅድሚ 30 ዓመታት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መገዲ ሕጋዊ ሰረት ኣይብሉን ክብሉ ገሊፆም።

ከም ሃገር ህዝቢ እንተይወከለን እንተይኣፍለጠን ዝተመሓላለፈ ውሳነ ጥልመት ሃገር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ብሽርሒን ዘይሕጋዊ መገዲን ዝሰኣነቶ ኣፍደገ ባሕሪ መሊሳ ነክትረክብ ታሪክን ሕጊን ይድግፋ ኢዩ ኢሎም።

በዓል ሙያ ሕጊ ዓለም ለኸ ማይ ከበደ ገርባ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ዓለማዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንክትረክብ ዝድግፍ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብታሪኩ ለገሰ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.