ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ተመክሮኣ እተካፍለሉ ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ኣፍሪካ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ኣፍሪካን ካሪቢያን ጉባኤታት ኣፍሪካን ብሄራዊን ኣህጉራዊን ረብሓታት ዝሕልዉ ኣጀንዳታት ብምቕራብ መሪሕ ግደኣ ክትዋፃእ ኢያ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ማሕበረሰብ ካሪቢያን ኣፍሪካን መበል ካልኣይ ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ኣፍሪካን ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ንምትእንጋድ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ብራዚል ንዝካየድ መበል 30 ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ዓለም ናይ ባዕላ ድምፂ ሒዛ እትቐርበሉ ዕድል ከምዝፈጥር እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ለዕሊ 25 ሺሕ ዕዱማት ከምዝሳተፉ ብምሕባር፥ ኣፍሪካዊያን ፅዕንቶ ክሊማዊ ለውጢ ንምፅዋር ሓበራዊ ዝኾነ ኣፍሪካዊ ብልሓት ዝሕንፅፁሉ መድረኽ ከምዝኸውን እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኣጀንዳ ብምቕራብ መሪሕ ተዋሳኢት ንክትከውንን ፅዕንቶ ክሊማዊ ለውጢ ናይ ምክልኻል ውፅኢታዊ ተመክሮኣ ከምእተካፍል ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ጉባኤ ማሕበረሰብ ካሪቢያን ኣፍሪካ ሓበራዊ ደምፂ ንከስምዑ መሰረት ከምዝኸውን ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!