ኢትዮጵያ ዝነበራ ቁመና ዳግም ንኽትሕዝ ብምትሕብባር ጠጠው ክንብል ዘለና ሕዚ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓያልነት ኢትዮጵያ ዘረጋግጡ ሓድጊታት ኣቦራኣ ኣራጊፍና ዝነበረና ቁመና ዳግም ንመሓዝ ብምትሕብባር ጠጠው ክንብል ዘለና ሕዚ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ መልካ በሎ ኣብ ዝርከብ በዓልቲ ናሲኦል ዝገበሩዎ ዑደት ብምምልካት መብርሂ ሂቦም፡፡
እቲ ዑደት ንኢትዮጵያ ፈሊጥና ከምዘይወዳእናን ሃፍትና ተሓፊሱ ከምዘይውዳእን ዝተረዳእናሉ ስለዝኾነ ብዙሕ ምምሃርን ብዙሕ ምድህሰስን ከምዘድሊ ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም፡፡
ብዛዕባ ሃገርናን ሃፍታን እኹል ሓበሬታ እተይሃለወና ካልኦት ብዝነግሩና ተደሪኽና እነውፀኦም ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ዝተማለአ ለውጢ ከምፅኡ ኣይኽእሉን፡፡
ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ሃፍቲታት ተፈጥሮን ስልጣነታትን ዘረድኡ ናይ ባዕላ ዝኾኑ እኹላት መረዳእታታት ንምርካብ ከምዘፀገም ብምሕባር፥ ምሁራን፣ ተመራመርቲን ፈተውቲ ሃገር ዜጋታትን ናይዛ ሃገር ሃፍቲ ኣፅኒዖም ንህዝቢ ከፍልጡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ዝነበረ ናይ ጥንቲ ስልጣነን ፍልጠትን ዘመላኽቱ ሓድጊታት ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ምስ ተፈጥሮ ዝነበሮም ምትእስሳር፣ ሃፍቲታት ተፈጥሮን ታሪኽን ምልስ ኢልካ ምፅናዕ ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!