ኢትዮጵያ ዞባዊ ሓራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፁ ፕሮጀክታት እናወገነት ትርከብ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዞባዊ ሓራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፁ ፕሮጀክታት እናወገነት ትርከብ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ።
ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ኣኼባ ሚኒስትራት ኢንሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ንኢትዮጵያ ብምውካል ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፤ ሚኒስትራት ገንዘብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ መሓዙት ልምዓትን ተወከልቲ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ተሳቲፎም፡፡
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተወገኑ ተግባራት ዝተገምገሙ እንትኾኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናጋጠሙ ዝርከቡ ዓለም ለኻዊ ማሕለኻታት ኢኮኖሚ ንምፍታሕ ዞባዊ ኢኮኖሚያዊ ውህደትን ምትሕብባርን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝውሰዱ ተግባራት ፖሊሲ ልዝበ ተገይሩ፡፡
ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሓራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፁ ፕሮጀክታት እናወገነት ከምትርከብ ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክትዛዝም ከምዝኸኣለት ኣገንዚቦም፡፡
እቲ ግድብ ተፋሰስ ሃገራትን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ተጠቀምቲ ከምዝገብርን ዶብ ተሳጋሪ ንግዲ ከምዘቀላጥፍን ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ናፃ ዞባዊ ንግዲ ተግባራዊ ንኽኸውን ዝገበር ኢዩ ኢሎም፡፡
ዞባዊ ውህደት ንምቅልጣፍ ዝተገበሩ ተግባራት ተስፋ ዝህቡ ስለዝኾኑ፤ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ብዝበለፀ ምብርታዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ባንኪ ዓለምን ምስ ኢጋድ ብምተሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዞባዊ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ዝገብሩዎ ሓገዝ ንኢዶም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!