Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ያታ ኣፍሪካ ኣብ ከይዲ ምፍጣር ርኡይ ግደ ክህልዋ ትፅቢት ይግበር-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ያታ ኣፍሪካ ኣብ ከይዲ ምፍጣር ርኡይ ግደ መህላው ሓላፍነታ ከምዝኾነ ዘይተርፍ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ “ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ” ዝተብሃለ ሚዲያ ፓን ኣፍሪካ ብዕሊ ስርሑ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ያታ ምህናፅ ናይ ምድላይ ጉዳይ ዘይኮነስ ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም፥ ኣብ ቀረባ ዓማውቲ ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዓውዲታት ኣብ ኣፍሪካ መሪሕ ከምእትኸውን ሓቢሮም።

ብምኽኒያት እዚ ያታ ምህናፅ ናይ ምድላይ ጉዳይ ዘይኮነስ ሓላፍነት ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ብብርኪ ዓለም እናማዕበሉ ዝመፅኡ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕባለኦም ምስ ዘጣየሽዎም ሃገራት ዝራኸብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እተን ሃገራት ብሚዲያታተ ኣቢለን ካብ ባዕልተን ሓሊፈን ያታ ንምፍጣር ይሰርሓ ከምዘለዋ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ተበጊሳ ኢያ፣ ትብርኽ ኢያ ዘላ ብምባል፥ ኢኮኖሚና ብዝበለፀ እናማዕበለ እንትኸይድ ያታ ኣፍሪካ ኣብ ከይዲ ምፍጣር ርኡይ ግደ ምፅዋት ሓላፍነት ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ያታ ሰብ፣ ማሕበረሰብ፣ ሃገር ኢሉ’ውን ኣህጉር ከምዝሰርሕ ኩሉ በዚ ልክዕ ብያተ ውልቀ ሰብ፣ ማሕበረሰብ ከምኡ’ውን ሃገር ይፈርስ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኢሉ’ውን ኣፍሪካ ቅድመ ሐዚ ብዝተሃነፀ ያታ ምኽኒያት ዓበይቲ እንተለዋ ንኢሰን ንክረአያ ብምግባሩ ብዓቕመን ልክዕ እንተይለምዓ ምፅነሐን ተዛሪቦም።

ኣፍሪካውያን እክብ ኢልና ተደሚርና ናይ ኣፍሪካ ዓባይ ምዃንን ናይ ምፍፃም ዓቕሚን ብዝምጥን መገዲ ለውጢ ምምፃእ ከምእንኽእል እዚ ሚዲያ መርኣያ ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.