Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጠንካራን  ዘላቕነት ዘለዎን ኢኮኖሚ ትሃንፅ ኣላ- ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ  ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ጠንካራን  ዘላቕነት ዘለዎን ኢኮኖሚ ትሃንፅ ኣላ ኢሎም።

ኢኮኖሚክ ኣሶሴሽን ኢትዮጵያ ዘሰናደኦ መበል 22 ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ።

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ተግባራዊ ኣብ ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ውፅኢታት ይምዝገበሩ ኣለዉ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብልዑል ብርኪ ይውስኽ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኩለ መዳይ ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ከብ ንምባል ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ናይ ዋጋ ዝቕባበ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ሐዚ ትውልዲን ጠንካራ ኢኮኖሚን ሃገረ መንግስቲን ንምህናፅ ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ኣሎ እውን ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.