Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ለውጢ ክሊማ ንምፅዋር ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ንምርኢት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ሎሚ ምክያድ ዝጀመረ 2ይ ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዝሰርሐቶም ስራሕቲ ንምርኢት ቀሪቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ‘ዓለም ለኸ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምስላጥ፣ ሓምለዋይ ልምዓት ኣፍሪካ ብፋይናንስ ምሕጋዝ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 3 ክሳብ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ስግኣት እናኾነ ዝመፀ ፅዕንቶ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር ዝሰርሐቶም ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ንምርኢት ኣብቂዓ፡፡

በዙይ እውን ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ኮሪደርን ዝቐረቡ እንትኾ፤ እቶም ስራሕ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምፅዋር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምዃኖም ተገሊፁ፡፡

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.