Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፈተናታት ክትሓልፍ ትኽእል ኪነ-ጥበብ ብምጣቃም እንትትክእል ኢዩ – ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ፈተናታታ ክትሓልፍ ትኽእል ኪነ-ጥበብ ብምጣቃም እንትትክእል ኢዩ ኢሎም ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡፡

ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ካብ 28 ክሳብ 30 ነሓሰ 2017 ዝፀንሕ ‘ጥበባት ንብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ካልኣይ ሃገር ለኸ ውድድር ኪነ ጥበብ ምክያድ ጀሚሩ።

ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበሉዎ፤ እቲ ውድድር ኪነ ጥበብ ብራኸ ኢትዮጵያ ጋህዲ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እነካይዶ ብምዃኑ ብራኸ ኢትዮጵያ ምብሳር ኢዩ።

ዝቕፅል 2018 ዓ.ም ንኢትዮጵያ ፍሉይ ዓመት ከምዝኸውን ብምግላፅ፤ ሕልሚ ኢትዮጵያ ካብ ዝሕሰብ ናብ ዝጭበጥ ዝሰጋገረሉ ዓመት ብምዃኑ ዝተፈለየ ይገብሮ ኢሎም።

ከም ኪነ ጥበብ ካብ ወቐሳ ናብ ሙገሳ ዝተሰጋገርናሉ ኢዩ ብምባል፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀጋታት ኢትዮጵያ፣ ዕድላት፣ ተስፋታት፣ ቀፀልቲ ምዕራፋት እናልዐልና ንኢትዮጵያ እነሞግሰሉ ግዘ ኢዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።

ህብራዊነት ንኢትዮጵያ መልክዓ ኢዩ፤ ኪነ ጥበብ እዚ ከርኢ፣ ተስፋ ክህብን ከብስርን ከምዘለዎ ብምሕባር ኢትዮጵያ ፈተናታታ ክትሓልፍ ትኽእል ኪነ ጥበብ ምጥቃም እንትትክእል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ቱሪስታት ቁፅሪ እናወሰኸ ከምዝመፅአ ብምሕባ ርኣደባባያታትና፣ መገዲታትና፣ ሕብሪ ኢትዮጵያ ዘርእዩ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.