Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፓኪስታንን ሃገራት ኣፍሪካን ምትእስሳር ንግዲ ንምጥንኻር ጉባኤ ከምተኣናግድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ፓኪስታንን ሃገራት ኣፍሪካን ዘሎ ምሕዝነት ኢኮኖሚ ምትእስሳር ንግድን ንምጥንኻር ዝዓለመ ጉባኤ ከምተተኣናግድ ተገሊፁ፡፡

5ይ ጉባኤ ንግዲ ፓኪስታን- ኣፍሪካን ካብ ቀፃሊ 7 ክሳብ 9 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲፍ ሻሪፍ ሚያን ፓኪስታን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምትእስሳር ንግዲ ንምጥንኻር እንሰርሐት ምዃና ገሊፆ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብኮንፈረስ ቱሪዝም ተመራፂን ተበፃሒን ብምዃና እቲ ጉባኤ ንምትእንጋድ ከምዝተመረፀት አረዲኦም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ብግዲኦም÷ ጉባኤ እቲ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘለዋ መማረፂታት ኢንቨስትመንት ንምፍላጥ የኽእል ኢሎም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ልዕሊ 100 ዓበይቲ ኩባንያታት ንግዲ ፓኪስታን ፍርያታቶምን ግልጋሎቶምን ከምዘቕርቡ ተገሊፁ።

ካብ ናይጀርያ፣ ዩጋንዳ፣ ጋና፣ ሱዳን፣ ታንዛኒያ፣ ሶማሊያ፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ቡሩንዲን ዝተውፃእፅኡ ኩባንያታት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.