ኢትዮጵያ 5ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ንኽተሰናድእ ተመሪፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ 5ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ንኽተሰናድእ ተመሪፃ፡፡
4ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከበላ ኣንጎላ ከተማ ሉዋንዳ ኣብ ዝተገበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ ነቲ ውድድር ንምስንዳእ ሕቶ ኣቕሪባ ተቐባልነት ረኺቡ፡፡
ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ፤ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ 5ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ምስንዳእ ጠሚቶም ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ መደረ ኣስሚዖም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መደረኦም መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ እዚ ዓብዪ ኣህጉራዊ ውድድር ንምስንዳእ ልዑል ድሌት ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡
ብመሰረት እቲ ሕቶ ድማ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንህቶ ምስንዳእ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ብሙባረክ ፋንታው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!