ኢትዮ-ህንዲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ህንዲን ልዕሊ ክልተ ሺሕ ዓመታት ዝተሳገረ ኩለመዳያዊ ርክብ ከምዝነበረን ዝተፈላለዩ መዛግብቲ የረድኡ።
ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ድማ ብዙሓት ተወለድቲ ህንዲ ንኢትዮጵያ ናይ ናብራ ሕርያኦም ከምዝገበሩ ዝሕብሩ ብዙሓት መርአያታት ኣለዉ።
ኣብ ሞንጎ ቀዳማይን ካልኣይንን ኲናት ዓለም ዝነበሩት ዓመታት ብዙት ህንዳውያን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ተዋፊሮም ፀኒሖም ኢዮም፡፡
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1948 ኢትዮጵያ ምስ ህንዲ ስሩዕ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝመስረተት እንትትከውን ብብርኪ ኣምባሳደር ርክበን ዘዕበየኦ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1952 ጀሚሩ ከምዝኸነ ሓበሬታታት የረድኡ።
ኣብቲ እዋን ብዙሓት ህንዳውያን መምህራን ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ኣቢያ ትምህርቲ እናምሀሩ ፀኒሖም ኢዮም።
ልዕሊ ክልተ ትውልዲ ዝተሳገረ ምትሕብባር ዓውዲ ትምህርቲ ክልቲአን ሃገራት፤ ዓቕሚ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ንምድንፋዕ ዘኽአለ እንትኸውን፤ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ህንዲ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ክረኽቡ ብምግባር ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምምላእ እጃሙ ተፃዊቱ ኢዩ።
ኢትዮጵያን ህንዲን ምትእስሳር ብሄራት፣ ሃይማኖታት፣ ባህሊታትን መልክኣ-ምድርን ከምዘመሳስለንን ዝርከባሉ ጂኦፖለቲካዊ ዞባን ኣብ ፖለቲካን ርክብ ወፃኢን ንኽተሓባበራ ኣኽኢሉ ኢዩ፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ እተን ሃገራት ዘለወን ኩለመዳይ ምትሕብባር ልምት ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ቀሊል ልቓሕ፣ ሓገዝ ቴክኒክ ከምኡ እውን ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብምድሃብ እናዓበየ መፂኡ።
ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንዲን እተን ሃገራት ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ማሕበራዊን ተረባሕቲ ብምግባር ንዝሓለፉ 74 ዓመታት ዘሊቑ ኢዩ።
ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆራፅ ምዃና ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዘረጋገፀት ህንዲ፤ ንነዊሕ ዘበናት ዝዘለቐ ርክብ ሓበራዊ ተረባሕነት ብዘረጋገፀ መልክዑ ሕዚ እውን ቀፂሉ ኣሎ፡፡
ህንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኣ ብሓዱሽ መልክዑ ብምህናፅ ምስፍሕፋሓ እቲ ርክብን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ኣርኢዩ ኢዩ።
ኢትዮጵያን ህንዲን ኣብ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ፈሪመን ኢየን።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ