Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮምን ኤሪክሰንን ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ንምጥንኻር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮ ቴሌኮም ኔትወርክ መስፋሕፍሕ ንምክያድ ዲጂታላዊ መሰረተ ልምዓትን ንምዕባይን ናብ ልዑል ብርኪ ንምግባርን ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ኩባንያ ኤሪክሰን ተፈራሪሙ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ጎድኒ ኣብ ባርሴሎና ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዓለም ለኸ ሞባይል ኮንግረስ ዝተኸተመ ኮይኑ፡ ኣብ ኔትወርክ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝርከባ 1ሺሕን 500 ሞባይል ጣቢያታት ናይ ምስፍሕፋሕ፣ ዘመናዊ ምግባርን ምዝርጋሕን ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ስምምዕ ናይ ሰለስተ ዓመት ስትራተጂ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ዝሰማማዕ ኮይኑ፤ ሽፋን ኔትወርክ፣ ፅሬትን ዓቕምን ብዓብዪ ደረጃ ብምምሕያሽ፣ ዲጂታላዊ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዘድሊ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.