Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ልዕሊ 85 ቢሊየን ብር እቶት ረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ልዕሊ 85 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍረሂወት ታምሩ እቲ ትካል ኣብ በጀት 2018 ፍርቂ ዓመት ኣፈፃፅማ ብዝምልከት መብራህርሂ ሂበን፡፡
ኣብ መብራህርሂኤን ኢትዮ ቴሌኮም ተበፃሕነት ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን።
ፍልፍል እቶት ብምስፋሕን ቁፅሪ ዓማዊልን ከምኡ እውን ዕግበቶም ኣብ ምዕባይ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣረዲኤን።
 
ኣብ ፍርቂ ዓመት ልዕሊ 85 ቢሊየን ብር እቶት ምርካቦም ዝገለፃ እተን ፈፃሚት ስራሕ፤ኣብዚ ትልሙ 81 ሚኣታዊ ከምዝተዓወተ ኣብሪሄን።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.